Customers will not be able to select COD as a payment method during checkoutPlease review your settings and enable COD if you wish to offer this payment option to customers
ስሓ ውሽጢ ብ ኣማኑኤል ወልደሚካኤል (PhD)
ሂወትን ምንባርን ዝተፈላለዩ ነገራት እዮም። ምንባር ንኹሉ ፍጡር ዝተውሃቦ ትዕድልቲ እዩ። ምንባር ማለት ምፍጣር ማለት እዩ። ዝተፈጠረ እናስተንፈሰ ይኹን ከየስተንፈሰ ክሳብ ዘብቅዕ ይነብር። ብሂወት ምፅናሕ ወይ ምቅፃል ማለት ግን ዘድልዩኻ ባእታታት ሂወት ረኺብካ ምቕፃል ማለት እዩ። ዓለም እትጠልቦም መቐረታት ሂወት ምርካብ ማለት እዩ። ስለዚ ፍቕሪ እቲ ቐንዲ ዘድልየኒ ባእታ እዩ ኔሩ ኣይረኸብክዎን ስለዚ ሂወት ኣይነበረንን። በዚ መሰረት እዚ ኩሉ ዝንቐሳቐስ ውሽጡ ከይፈለጥካ ሂወት ኣለዎ ንምባል የፀግም እዩ።” ኢሉ፣ ንስምኦን ዓይኒ ዓይኑ ጠመቶ።
“ብኣዘራርባኻ ኩርኩር ዲዮጋን መሲልካ” በሎ ስምኦን እናስ ሓቐ።
“ንዝኾነ ነገር ብናተይ ትዕዝብቲ ትርጉም እንተሂበዮ ዲዮጋን፣ ሶቅራጠስ ወይ ኮንፋሽየስ ዘብል ኣይኮነን።” ምስ በለ፤ ስምኦን ኣብ ሞንጎ እትው ኢሉ
“እሺ ናብቲ ቐንዲ መበገሲ ነጥብኻ ንእቶ ካብኡ ኸ?” በለ።
“ካብኡማ ብራሕቒ ንኸይፍለያ ብምውሳን ንዕኣ ክስልል ወሰንኩ። ኣብ ውሽጠይ ንሳ ዘይትፈልጦ ፍቕሪ ጋህረረ፣ ሸረኸርኸ በለ። ንዓኣ ንምርካብ የዋፅእ እዩ ዝብሎ ሓሳብ ኣይነበረንን። ኣብ ውሽጢ ሽክና ርእሰይ ዝርከብ ኣካል ስራሕቱ እንታይ ምንባሩ ክር ድኣኒ ኣይክኣለን። ድሕሪ ብዙሕ መዓልታት በቲ ዝብህጎ፣ መንፈ ሰይ ዕግበት ዝስምዖ ትሕዝቶታት እናስተማቐርኩ ኣብ ዓለም በይነይ ምንባር ጀመርኩ።” ምስ በለ ስምኦን ትቕብል ኣቢሉ፥
“ነፍስኻ ንኸትሳቐ ባዕልኻ ተጠዓዕማ ኔርካ ማለት ድዩ?” * ካብ መጽሓፍ ስሓ ውሽጢ ዝተወስደ።
Sorry no review found to show you
In the world of e-commerce, our approach is laser-focused on your success. We're not just a website; we're your dedicated partner. We work tirelessly to ensure your online store thrives, combining innovation, transparency, and a client-centric mindset. Discover how we redefine e-commerce success – this is how we work for your online store.