Customers will not be able to select COD as a payment method during checkoutPlease review your settings and enable COD if you wish to offer this payment option to customers
ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ልዕሊ 40 ሚለን ቅዳሓት ዝተሸጠት ብልጽቲ መጽሓፍ
ድርሰት ፡ ዶክተር ስቴፈን ኣር. ኮቪ
ትርጉም ፡ የማነ ኣብርሃ ገብረኣብ
መትከላት ዕብየትን ለውጥን
ናይ ስብእና ኣገባብ ብልጭልጭታ፣ ገለ ቅልጡፍን ቀሊልን ዓወት ንምጭባጥ
ይሕግዝ እዩ። ውልቃዊ ዓወት ምጭባጥን ምስ ካልኦት ሰባት ዓሚዩቕ ርክብ
ምምስራትን ናይ’ዚ ዓወት ኣካል እዮም። እዚ ዓወት ብባህሪያዊ መስርሕ ዕዮን
ዕብየትን ዝጭበጥ ዓወት እዩ።
እዚ ግና ቁምነገር ዘይብሉ ምልክት እዩ። እዚ ኣካል ናይ’ቲ “ሃብቲ ወይ ብዕሊ
ብዘይስራሕ” ዝመባጻዕ “ቀልጢፍካ ናይ ምብልጻግ” ንድፊ እዩ።
ናይ ስብእና ኣገባብ ዘይክዉንን ጠባርን እዩ። ንሜላታት ኣገባብ ስብእና
ተጠቂምካ ልዑል ውጽኢት ክትጭብጥ ምፍታን፣ ብናይ ዲትሮይት ካርታ
እናተሓገዝካ ቺካጎ ክትበጽሕ ከም ምፍታን ዝቑጸር እዩ።
እቲ ንሱርን ውጽኢትን ናይ ስብእና ኣገባብ ብትኹረት ዝተዓዘበ ኤሪክ ፍሮም
ከም’ዚ ብምባል ገሊጹዎ ኣሎ፤ “ኣብ’ዚ እዋን ልክዕ ከም ሮቦት ዓይነት ሰብ
እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ። እወ ኣብ’ዚ እዋን ዘሎ ወድሰብ ንገዛእ ርእሱ ዘይርዳእ፣
ብዛዕባ ነብሱ ካልኦት ሰባት ኢኻ ዝበሉዎ ጥራይ ዝኣምን፣ ዝርርባዊ ዘተኡ
ብትርጉም ዘይብሉ ጭራሕምራሕ ዝተቐየረ፣ ሓቀኛ ሰሓቑ ብናይ ይምሰል
ፍሽኽታ ዝተቐየረ፣ ሓቀኛ ቓንዛኡ ብፈዛዝ ሕልና ምዕራብ ዝተተክአ እዩ።
ብዛዕባ’ዚ ከም’ዚ ዓይነት ሰብ ክልተ ነገር ምባል ይከኣል እዩ፤ 1) እዚ ሰብ
ብመንቅብ ፍኑውነትን ተነጽሎን ዝሳቐ እዩ። እዚ ጸገም ዝፍወስ ኣይመስልን
እዩ። 2) መሰረትነት ፈልዩ ኣይፈልጥን እዩ።”
ኣብ ኩሉ መስርሕ ህይወት፣ መስርዓዊ ደረጃታት ዕብየትን ምዕባለን ኣሎዉ።
ሓደ ህጻን ፈለማ ምትንሳእ ይምሃር። ቀጺሉ ድማ ኮፍ ምባል፣ ፍሑኽ ምባል፣
50
ደው ኢልካ ምኻድን ምጉያይን ይምሃር። ነፍሲወከፍ ደረጃ ኣገዳስን ግዜ
ዝወስድን እዩ። ክዝለል ዝኽእል ደረጃ ድማ የለን።
እዚ ኣብ ኩሉ ገጻት ህይወት ዝሰርሕ ሓቂ እዩ። ኣብ ኩሉ ናይ ምዕባለ መዳያት
ዝሰርሕ ሓቂ እዩ። ንኣብነት ፒያኖ ከመይ ከም ዝጽወት ንምምሃር ወይ ምስ
መሻርኽትኻ ብኣድማዒ መገዲ ንምዝርራብ ናቱ ዝኾነ ደረጃታት ኣሎዎ። እዚ
ኣብ ውልቀሰባት፣ ኣብ ሓዳር፣ ኣብ ቤተሰብን ኣብ ትካላትን’ውን ተመሳሳሊ
እዩ።
ነዚ ናይ መትከል መስርሕ ኣብ ፊዚካዊ ነገራት ከም ዘሎ ክንፈልጦን ክንቅበሎን
ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ኣብ ስምዒታዊ ጉዳይ፣ ኣብ ርክብ ደቂሰባትን ኣብ ውልቃዊ
ባህሪን ክትርድኦ ግና ብዙሕ ልሙድ ኣይኮነን። ዋላ እንተ ተረዳእናዮ’ውን፣
ንኽንቅበሎን ስኒት ብዘሎዎ መገዲ ንኽንነብረሉን ዘይተለምደን ኣጸጋምን እዩ።
ካብ’ዚ ዝነቐለ፣ ግዜናን ጻዕርናን ብምዕቃብን ንገለ ኣገደስቲ ደረጃታት
ብምዝላልን ሓጺር መገዲ ከነናዲ ንኽእል ኢና። እንደልዮ ውጽኢት’ውን
ክንረክብ ንኽእል ኢና።
ካብዛ መጽሓፍ ተቆንጪሉ ዝተወስደ።
Sorry no review found to show you
In the world of e-commerce, our approach is laser-focused on your success. We're not just a website; we're your dedicated partner. We work tirelessly to ensure your online store thrives, combining innovation, transparency, and a client-centric mindset. Discover how we redefine e-commerce success – this is how we work for your online store.