Customers will not be able to select COD as a payment method during checkoutPlease review your settings and enable COD if you wish to offer this payment option to customers
ድርሰት፡ ጂም ሮን, ትርጉም፡ የማነ ኣብርሃ ገብረኣብ
ንውጽኢታትካ መርምሮም
ውጥንና፣ ፍልስፍናና፣ ኣጠማምታና፣ ጻዕርታትና ወይ ንጥፈታትና ምምሕያሽ ከም ዘድልዮምን ከም ዘየድልዮምን ንምስትውዓል፣ ዓሰርተ ዓመታት ምጽባይ ኣየዋጽኣናን እዩ። ሸለል ምባልን ምድንጓይን ብዙሕ ዋጋ ከኽፍሉና ይኽእሉ እዮም።
ምዕባለ ወይ ዕብየት ብስሩዕ ኣገባብ ክዕቀን ይግባእ። ኣብ ልዕሊ’ቶም ቀንዲ መግለጽታት መዳያት ህይወትና እዋናዊ መርመራ ምግባር፣ ናይ ሓደ ሓላፍነታዊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ መምዘኒ እዩ። ክንደይ ዝኣክል ንውጽኢታትና ክንምርምሮም ይግባእ ዝብል ሕቶ፣ ክንደይ ዝኣክል ርሕቀት ክንጓዓዝ ድልየት ኣሎና ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝምርኰስ እዩ። ጉዕዞና ብዝነውሐ ቁጽሪ፣ ንውጽኢታትና ዝያዳ ደጋጊምና ምምርማር ከድልየና እዩ። እንጓዓዞ ርሕቀት ቀረባ እንተ ኾይኑ፣ ብዝተወሰነ መጠን
ካብ መስመር ምውጻእና ዘምጽኦ ለውጢ ኣይህሉን እዩ። ይኹን እምበር ዕላማና ነዊሕ ርሕቀት ምጓዓዝ እንተ ኾይኑ፣ ንእሽቶ ጌጋ ምፍጻም ካብ ሸቶታና ብብዙሕ መጠን ከም እንርሕቕ ክገብረና ይኽእል እዩ። ነዚ ንእሽቶ ጌጋ ደንጒና እንተ’ስተውዒልናሉ፣ ናብ’ቲ ዝነበርናዮ ቅኑዕ ኣንፈት ንምምላስ በርቲዕካ ምስራሕ ከድልየና እዩ። ምስ ምንዋሕ ግዜ፣ ናብ’ቲ ቅኑዕ መገዲ ናይ ምምላስ ድልየትና’ውን ክንኪ እዩ። ከም
ውጽኢቱ ድማ ነቲ እንረኽቦ ንእሽቶ ውጽኢት ብምቕባል፣
ንሕልምታትና ክንጥንጥኖም ንኽእል ኢና
Sorry no review found to show you
In the world of e-commerce, our approach is laser-focused on your success. We're not just a website; we're your dedicated partner. We work tirelessly to ensure your online store thrives, combining innovation, transparency, and a client-centric mindset. Discover how we redefine e-commerce success – this is how we work for your online store.