Customers will not be able to select COD as a payment method during checkoutPlease review your settings and enable COD if you wish to offer this payment option to customers
መጽሓፍ “ቀያሕቲ ባሮት”፡ ብጽቡቕ ስነ-ጽሑፋዊ ኣቃውማን ብውሕሉል ዋሕዚ ሓሳባትን ወቂባ ዝተወረቐት መጽሓፍ እያ። ኣብ ውሽጣ ዘሎዉ ገጸ- ባህሪያት ብድሙቕ ኣገባብ ዝተሳእሉ እዮም። ናብ ስደት ክብገሱ ከሎዉ ዝነበሮም ተስፋ ብንጹር ዝርአ’ዩ። ብድሆታት ከጓንፎም ከሎ ዘርእዩዎ ሰምዒታውን ስነ-ልቦናውን መልሰ-ግብሪ ንክዉንነት ዘንጸባርቕ’ዩ። እቲ ታሪኽ ዝተፈጸመሉ ቦታን ግዜን’ውን ንጹር’ዩ ክብሃል ይከእል እዩ። ደራሲ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዘሎዎ ምልከት ብሓቂ ዝነኣድ’ዩ። ብሓጺሩ’ዛ መጽሓፍ፡ ብብዙሕ መኣዝን ክርእያ ከሎኹ፡መሳጢት ኰይና’የ ረኺበያ።ሕጽር ብዝበለ መሳጢት ልብወለድ መጽሓፍ እያ ። በዚ ኣጋጣሚ ንሓው ዓብዱሰላም መሓመድ ጻዕዳ ስለዚ ዕዙዝ ኣበርክቶኡ ከመስግኖ እፈቱ።
የማነ ኣብርሃ ገብረኣብ
ደራስን ተርጓምን
ደራሲ ሓንቲ ኣገዳሲትን እዋናዊትን ጽሕፍቲ
ኣቕሪቡልና ኣሎ። እዛ መጽሓፍ ንኩነታት ከባቢና
ወይ ዞባና ብፍልይ ዝበለ ኩርናዕ፤ ፍቕሪ፣ ጽልኢ፣
ጥልመትን ወዘተ… ብዕምቆት እናፈተሸትን
እናተናኸፈትን ብማራኺ ቅዲ ተዘንትወልና።
ከምኡ‘ውን፣ ብቐጻሊ ንምክትታል እትዕድም
ኣንጠልጣሊት (page turner) ብምዃና ሰሓቢትን
ደስ እናበለትካ እተንብባን ኮይና ረኺበያ።
ሌ/ኮሎኔል ኻልድ ኑ. ኣበራ
ጸሓፊ፣ ዲፕሎማትን ጋዜጣኛን
Sorry no review found to show you
In the world of e-commerce, our approach is laser-focused on your success. We're not just a website; we're your dedicated partner. We work tirelessly to ensure your online store thrives, combining innovation, transparency, and a client-centric mindset. Discover how we redefine e-commerce success – this is how we work for your online store.