Customers will not be able to select COD as a payment method during checkoutPlease review your settings and enable COD if you wish to offer this payment option to customers
ዘየባትኽ ሕልሚ ብ ገዛህኝ ገብረስላሴ
እቲ ንዓመታት ዘይተመለሰ፡ ኣብዚ ምስ መጻኩ’ዉን ብሰንኪ’ቲ ወራራት
ተጎናዲቡ ዝነበረ ምንዳይ ስድራቤት ሕጂ ግዚኡ ዝኣኸለ ኮይኑ ይስምዓኒ።
“…..እሞ ኣባሓጎይ ከምቲ ቕድሚ ሕጂ ዘዕለልኩኻ እቲ ምድላይ
ቤተሰበይ ሕጂ ምስቲ ዘለና ቁሩብ ናይ ዕረፍቲ ግዜ፡ ሓዲኡ እንተዝገብር
ጽቡቕ እዩ ኔሩ።”
“ገዛኢ እቲ ጉዳይካ ጉዳይና ኢዩ ቕድሚኡ’ዉን ተዘራሪብናሉ ስለ
ዝኾንና ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን። ድሕሪ ቑሩብ መዓልታት ናብ ዓሰብ ስለ
ንብገስ ካብ ዓሰብ ምስ ተመለስና ኣመት ጉዳይካ እኩል ግዜ ክትረክብ
ኢኻ….” በለኒ።
ብሰንኪ እቲ ዝነበረና ጽዑቕ ዘየቋርጽ ዑደት ነቲ ኣብ ዉሽጠይ
መልሲ ዘይረኸብክሉ ሕቶ ምንዳይ መንነት፡ ምስቶም ናይ ቀረባ ሓለፍተይ
ተረዳዲኤ፡ ድሕሪ ናይ ዓሰብ ንገብሮ ዑደት እኹል ናይ ዕረፍቲ ተዛነን ግዜ
ስለ ዘለና ንሽዑኡ ክኸዉን ምኽሮም ለጊሶሙለይ።
ነገር ግን ሓደ ሓደ ግዜ እዚ ሻድሻይ ህዋስ ዝበሃል፡ ንዉሽጣዊ ድሌተና
ተረዲኡ ዘማእዝነካን፡ በቲ ኣንፈቱ ከብለካን፡ ውሽጣዊ ሕቶታትካ ባዕሉ ኣብ
ዘይትሓሰበ ግዜ መልሲ ዘዳልወሉ ግዚያት ኣሎ። ንዓይ’ዉን እንተኾነ እቲ
ወትሩ ዝሓመሉ ዝነበርኩ ጉዳይ ብከምዚ ብቀሊል እሞ ከኣ ኣብ ዘይተሓስበ
ግዜ ከጋጥመኒ ኣይተጸበክዎን። ይዝከረኒ…..እቲ ግዜ ከባቢ ሰዓት ሓሙሽተ
ድሕሪ ቐትሪ እዩ። ካብቲ ንግዝያዊ መዕረፊና ተባሂሉ ዝተወሃበና ኣብ
ቀሓዉታ ከባቢ ሚንትሪ መጉዓዝያ ጥቓ ዕዳጋ ኣባጊዕ ዝርከብ መዕረፊና
ናብ ኤክስፖ እየ ተበጊሰ።
ካብ መጽሓፍ ዘየባትኽ ሕልሚ ዝተወሰደ
Sorry no review found to show you
In the world of e-commerce, our approach is laser-focused on your success. We're not just a website; we're your dedicated partner. We work tirelessly to ensure your online store thrives, combining innovation, transparency, and a client-centric mindset. Discover how we redefine e-commerce success – this is how we work for your online store.