መትከላት ዕብየትን ለውጥን ናይ ስብእና ኣገባብ ብልጭልጭታ፣ ገለ ቅልጡፍን ቀሊልን ዓወት ንምጭባጥ ይሕግዝ እዩ። ውልቃዊ ዓወት ምጭባጥን ምስ ካልኦት ሰባት ዓሚዩቕ ርክብ ምምስራትን ናይ’ዚ ዓወት ኣካል እዮም። እዚ ዓወት ብባህሪያዊ መስርሕ ዕዮን ዕብየትን ዝጭበጥ ዓወት እዩ። እዚ ግና ቁምነገር ዘይብሉ ምልክት እዩ። እዚ ኣካል ናይ’ቲ “ሃብቲ ወይ ብዕሊ ብዘይስራሕ” ዝመባጻዕ “ቀልጢፍካ ናይ ምብልጻግ” ንድፊ እዩ። ናይ ስብእና ኣገባብ ዘይክዉንን ጠባርን እዩ። ንሜላታት ኣገባብ ስብእና ተጠቂምካ ልዑል ውጽኢት ክትጭብጥ ምፍታን፣ ብናይ ዲትሮይት ካርታ እናተሓገዝካ ቺካጎ ክትበጽሕ ከም ምፍታን ዝቑጸር እዩ። እቲ ንሱርን ውጽኢትን ናይ ስብእና ኣገባብ ብትኹረት ዝተዓዘበ ኤሪክ ፍሮም ከም’ዚ ብምባል ገሊጹዎ ኣሎ፤ “ኣብ’ዚ እዋን ልክዕ ከም ሮቦት ዓይነት ሰብ እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ። እወ ኣብ’ዚ እዋን ዘሎ ወድሰብ ንገዛእ ርእሱ ዘይርዳእ፣ ብዛዕባ ነብሱ ካልኦት ሰባት ኢኻ ዝበሉዎ ጥራይ ዝኣምን፣ ዝርርባዊ ዘተኡ ብትርጉም ዘይብሉ ጭራሕምራሕ ዝተቐየረ፣ ሓቀኛ ሰሓቑ ብናይ ይምሰል ፍሽኽታ ዝተቐየረ፣ ሓቀኛ ቓንዛኡ ብፈዛዝ ሕልና ምዕራብ ዝተተክአ እዩ። ብዛዕባ’ዚ ከም’ዚ ዓይነት ሰብ ክልተ ነገር ምባል ይከኣል እዩ፤ 1) እዚ ሰብ ብመንቅብ ፍኑውነትን ተነጽሎን ዝሳቐ እዩ። እዚ ጸገም ዝፍወስ ኣይመስልን እዩ። 2) መሰረትነት ፈልዩ ኣይፈልጥን እዩ።” ኣብ ኩሉ መስርሕ ህይወት፣ መስርዓዊ ደረጃታት ዕብየትን ምዕባለን ኣሎዉ። ሓደ ህጻን ፈለማ ምትንሳእ ይምሃር። ቀጺሉ ድማ ኮፍ ምባል፣ ፍሑኽ ምባል፣ 50 ደው ኢልካ ምኻድን ምጉያይን ይምሃር። ነፍሲወከፍ ደረጃ ኣገዳስን ግዜ ዝወስድን እዩ። ክዝለል ዝኽእል ደረጃ ድማ የለን። እዚ ኣብ ኩሉ ገጻት ህይወት ዝሰርሕ ሓቂ እዩ። ኣብ ኩሉ ናይ ምዕባለ መዳያት ዝሰርሕ ሓቂ እዩ። ንኣብነት ፒያኖ ከመይ ከም ዝጽወት ንምምሃር ወይ ምስ መሻርኽትኻ ብኣድማዒ መገዲ ንምዝርራብ ናቱ ዝኾነ ደረጃታት ኣሎዎ። እዚ ኣብ ውልቀሰባት፣ ኣብ ሓዳር፣ ኣብ ቤተሰብን ኣብ ትካላትን’ውን ተመሳሳሊ እዩ። ነዚ ናይ መትከል መስርሕ ኣብ ፊዚካዊ ነገራት ከም ዘሎ ክንፈልጦን ክንቅበሎን ኣጸጋሚ ኣይኮነን። ኣብ ስምዒታዊ ጉዳይ፣ ኣብ ርክብ ደቂሰባትን ኣብ ውልቃዊ ባህሪን ክትርድኦ ግና ብዙሕ ልሙድ ኣይኮነን። ዋላ እንተ ተረዳእናዮ’ውን፣ ንኽንቅበሎን ስኒት ብዘሎዎ መገዲ ንኽንነብረሉን ዘይተለምደን ኣጸጋምን እዩ። ካብ’ዚ ዝነቐለ፣ ግዜናን ጻዕርናን ብምዕቃብን ንገለ ኣገደስቲ ደረጃታት ብምዝላልን ሓጺር መገዲ ከነናዲ ንኽእል ኢና። እንደልዮ ውጽኢት’ውን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ካብዛ መጽሓፍ ተቆንጪሉ ዝተወስደ።
Customer matched zone "UK Shipping"
View cart “ሙጾታት” has been added to your cart.
New
ስሓ ውሽጢ - Sha Wshti
$22.54
Women's bodysuit
$31.31 Original price was: $31.31.$18.79Current price is: $18.79.
7ልማዳት ዕዉታት ሰባት
$23.80
ድርሰት ፡ ዶክተር ስቴፈን ኣር. ኮቪትርጉም ፡ የማነ ኣብርሃ ገብረኣብ
In stock
0
People watching this product now!
Report Abuse
Description
Reviews (0)
Rated 0 out of 5
0 reviews
Rated 5 out of 5
0
Rated 4 out of 5
0
Rated 3 out of 5
0
Rated 2 out of 5
0
Rated 1 out of 5
0
Only logged in customers who have purchased this product may leave a review.
Vendor Info
Vendor Information
- Store Name: Solomye Book Store
- Vendor: Solomye Book Store
- No ratings found yet!
Location
Product Location
Solingen, Nordrhein-Westfalen, Deutschland
More Products
Warranty Policy
Please conact the vendor for getting any defective products according to their terms and conditions.
Product Enquiry
Product Enquiry
Related products
Get Latest Update
Join Our Newsletter
Sign up for our newsletter to receive coupons, exclusive offers, unique gift ideas, and personalised tips for shopping and selling on Osbisy.
Reviews
Clear filtersThere are no reviews yet.