መጽሓፍ “ቀያሕቲ ባሮት”፡ ብጽቡቕ ስነ-ጽሑፋዊ ኣቃውማን ብውሕሉል ዋሕዚ ሓሳባትን ወቂባ ዝተወረቐት መጽሓፍ እያ። ኣብ ውሽጣ ዘሎዉ ገጸ ባህሪያት ብድሙቕ ኣገባብ ዝተሳእሉ እዮም። ናብ ስደት ክብገሱ ከሎዉ ዝነበሮም ተስፋ ብንጹር ዝርአ’ዩ። ብድሆታት ከጓንፎም ከሎ ዘርእዩዎ ሰምዒታውን ስነ-ልቦናውን መልሰ-ግብሪ ንክዉንነት ዘንጸባርቕ’ዩ። እቲ ታሪኽ ዝተፈጸመሉ ቦታን ግዜን’ውን ንጹር’ዩ ክብሃል ይከእል እዩ። ደራሲ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዘሎዎ ምልከት ብሓቂ ዝነኣድ’ዩ። ብሓጺሩ’ዛ መጽሓፍ፡ ብብዙሕ መኣዝን ክርእያ ከሎኹ፡መሳጢት ኰይና’የ ረኺበያ። በዚ ኣጋጣሚ ንሓው ዓብዱሰላም መሓመድ ጻዕዳ ስለዚ ዕዙዝ ኣበርክቶኡ ከመስግኖ እፈቱ። የማነ ኣብርሃ ገብረኣብ ደራስን ቶርጋምን ርእይቶ መጽሓፍ ህርኩት መንእሰይ ደራሲ ሓውና ዓብዱሰላም መሓመድ ጻዕዳ ፣ እነሆ ሎሚ ነዛ “ቀያሕቲ ባሮት” ዘርእስታ፣ 188 ገጻት ዘለዋ ዓባይ ልብ-ወለዳዊት መጽሓፍ ኣቕሪቡልና ኣሎ። ኣቐድም ኣቢሉ፣ 2 “ዝሑል ኲናት፣ ከምኡ‘ውን ፈዳይ፣” ዘርእስተን ንኡዳት መጻሕፍቲ ኣበርኪቱልና ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። እነሆ ሎሚ ድማ ኣበርክቶኡ ብምቕጻል ነዛ ሳልሰይቲ መጽሓፍ ጆባእ ይብለና ኣሎ። ደራሲ ዓብዱሰላም መሓመድ ጻዕዳ፣ ጻዕረኛን ተባላሓትን፣ ተውህቦን ድሌት ስራሕን ዘለዎ ጸሓፊ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። ዘለዎ ህሉው ኩነታት ጥዕንኡ ብምዝማድ ከኣ፣ ክሳብ ክንደይ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ፍቕርን ተወፋይነትን ከምዘለዎ ንምርዳእ ኣየጸግምን። እዛ መጽሓፍ ኣብ ህልዊ እዋናዊ ሃዋህው ከባቢና፣ ካብ ኤርትራ ጀሚራ፣ ጁቡቲ፣ የመንን ስዑድያን ኣተኲራ ዝተጻሕፈት ልብ-ወለድ (ኖቭል) እያ። ደራሲ ኣብ ክውንነታውን እዋናውን ዝርዝር ህላዌ መንእሰያት ኤርትራ ብምእታው እዩ ጽሒፉ። እቲ ዛንታ ጉዕዞ ናይ ክልተ መንእሰያት ኤርትራውያን ፍቑራት፣ ካብ ኤርትራ ክሳብ ስዑድያ ብምትኳር፣ ሓንቲ ኣገዳሲትን እዋናዊትን ጽሕፍቲ ኣቕሪቡልና ኣሎ። ብመገዲ‘ቶም ብንጹር ዝተቐመጡን ሰሓብትን ኣዘናጋዕትን፣ ከምኡውን ሕብራውያን፣ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጹን ዝተፈላለዩ ባህልታት ዘለዎምን ጠባያት ኣቢሉ የሳልየና። ኣብቲ ውሽጣውን ግዳማውን ኩነተ-ኣእምሮኦም ብምእታውን ንዛንታ ጉዕዞኦም፣ ብሰንሰለታውን ኣንጠልጣልን ኣገባብ ብምትራኽ ከም እንጎዓዝ ይገብረና። እዛ መጽሓፍ ብኣቀራርባኣ ከምተን ዝቐደማ ጽሑፋቱ፣ ንኩነታት ከባቢና ወይ ዞባና እትፍትሽ እያ። ኣብዚ ግን ብፍልይ ዝበለ ኩርናዕ፣ ናይ ስግረ-ዶብ ስደት፣ ጉዕዞ ባሕሪ፣ ናይ ሰምሰርቲ ጭካኔን ምዝመዛን፣ ናይ ከባቢና ሃገራት እወንታውን ኣሉታውን ጽልዋ ኣብ ስደተኛታት፣ ፍቕሪ፣ ጽልኢ፣ ጥልመትን፣ ወዘተ… ብዕምቆት እናፈተሸትን እናተናኸፈትን ብማራኺ ቅዲ ተዘንትወልና። እቲ ዛንታ ሰሓብን ተኣማንን፣ ተነባቢት እዩ። እቲ ኣገላልጻ ከኣ ፈኲስን ንምርድኡን ምክትታሉ ዘየጸግምን ምዃኑ ተወሳኺ ብልጫኣ እዩ። ብዙሓት ንኣን ከምኡ‘ውን፣ ብቐጻሊ ንምክትታል እትዕድም ኣንጠልጣሊት (page turner) ብምዃና፣ እቲ ንውሓት ገጻታ ከም ኣሉታ ዘይኮነስ ዝያዳ ሰሓብን ደስ እናበለትካ እተንብባን ኮይና ረኺበያ። በቲ ምቕሉል ዓቕመይ እውን ኣብ ኣርትዖት ገለ ኣጃም ከበርክትን ገለ ሓሳባት ወስ ክብልን ብምኽኣለይ ደስ ይብለንን ሓበን ይስምዓንን። ደራሲ ምስ ሰባት ናይ ምስራሕን ናይ ብጾቱ ጸሓፍቲ፣ እማመ፣ እርማት ኮነ ካልእ ርእይቶታት ብክፉት ኣእምሮ ምቕባሉ፣ ብስለቱ፣ ብቕዓቱን ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዘለዎ ተወፋይነትን የመስክር። ደራሲ ዓብዱሰላም መሓመድ ጻዕዳ ንዘለዎ ሓያል ቅዲ ኣዘናትዋን፣ ፍሉያት ገጽታታት ሰባት፣ ቦታን ፍጻሜታትን እናነኣድኩ፣ በዛ ስርሑ ዮሃና! ክብሎ እደሊ። ንቐጻሊ እውን ተመሳሰልትን ካልኦት ፍልይ ዝበሉን ትሕዝቶታት ከቕርበልና እዕድሞ፣ ኣጆኻ በርትዕ! እብሎን። ዘካይዶ ዘሎ ንኡድን ዘይሕለልን ስራሕ፣ ኣብ ምዕባለ ስነ-ጽሑፍ ትግርኛ ዘለዎ ኣበርክቶ እናሞገስኩ፣ ኣብ ህዝብና ብፍላይ መንእሰያትና፣ ፍቕርን ልምድን ንባብ ንምሕያል ዕዙዝ እጃም ክህልዎ ተስፋይን ትጽቢተይን እዩ። እዛ መጽሓፍ፣ ገለ ክፋል ታሪኽና ብፍላይ ንመንእሰያት ሃገርና ዝምልከቱ ብድሆታትን፣ ከምኡ‘ውን ኩነታት፣ ዝምድናን ሓድሕዳዊ ምውሳእ ሃገራት ዞባናን ትሕብረና እያ። እዚ ኣብ ስነ-ኣእምሮን ሰባትን ናይ ጽንዓትን ፍቕራውን ምትሕግጋዝን መዳያት፣ ኣብ ሰባት ንዘጋጥሙ ኣድማሳውያን ግድላት ብምድህሳስ ገለ ትብለናን፣ ብመጠኑ ትሕብረናን እያ።፣ ከምኡውን ናይ ዞባና (ከባቢና ሃገራት) ማሕበረ-ቁጠጋዊ ኣቃውማ፣ እዚኣቶም ንዝምድናታንት ኣብ ኣተሓሕዛ ስደተኛታትን ሰራሕተኛታትን፣ ካልኦት ዝተፈላለዩ መዳያት ህይወትና ብመጠኑ እውን እንተኾነ ብዕምቆት ትድህስስ እያ። ሰናይ ንባብ! ሌ/ኮሎኔል ኻልድ ኑ. ኣበራ ጸሓፊ፣ ዲፕሎማትን ጋዜጣኛን
Customer matched zone "UK Shipping"
View cart “Barley 5kg” has been added to your cart.
New
Red Rose Bandana Style Blouse for Women
$105.34 Original price was: $105.34.$67.35Current price is: $67.35.
ሜላ 5 ስከንድ
$20.26
ቀያሕቲ ባሮት
$20.26
ቀያሕቲ ባሮት ፡ ብዓብዱሰላም መሓመድ ጻዕዳ
In stock
0
People watching this product now!
Report Abuse
Description
Reviews (0)
Rated 0 out of 5
0 reviews
Rated 5 out of 5
0
Rated 4 out of 5
0
Rated 3 out of 5
0
Rated 2 out of 5
0
Rated 1 out of 5
0
Only logged in customers who have purchased this product may leave a review.
Vendor Info
Vendor Information
- Store Name: Solomye Book Store
- Vendor: Solomye Book Store
- No ratings found yet!
Location
Product Location
Solingen, Nordrhein-Westfalen, Deutschland
More Products
Warranty Policy
Please conact the vendor for getting any defective products according to their terms and conditions.
Product Enquiry
Product Enquiry
Related products
Get Latest Update
Join Our Newsletter
Sign up for our newsletter to receive coupons, exclusive offers, unique gift ideas, and personalised tips for shopping and selling on Osbisy.
Reviews
Clear filtersThere are no reviews yet.